It is a method of lending small sum of e-money to individuals and merchants/agents to start or expand a small business.
ውዕሊ
እዚ ውዕሊ (ድሕሪ ሐዚ “ሕገ ደንቢ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ) ኣብ መንጎ ቴሌብርን እንደራስን አድራሽ ግልጋሎት ልቃሕን ተፈፃሚ ዝኸውን ሓፈሽዊ ሕገ ደንብን ኩነትትን ዘካተተ እዩ፡፡
ኣብዚ ውዕሊ ዝተጠቀሱ ደንብን ኩነትትን ከምኡ’ውን ምስ’ዚ ውዕሊ ዝተራኸቡ ዝግበሩ ምምሕያሻትን ለውጢታትን ናይ ቴሌብር እንደራስን ኣድራሽ ግልጋሎት ልቃሕ ብውልቀ ሰብ ዓሚል ተነቢቦም ተቀባልነት ምስረኸቡ (“ንምጅማር” ዝብል መማረፂ ምስ መረፁ) ኣብ ልዕሊ ዓሚል ተፈፃምነት ይህልዎ፡፡
1.ትርጉም
ኣብዚ ሕገ ደንቢ ውሽጢ ዝርከቡ ቃላት ዝህልዎም ትርጉም ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን፡-
- “ባንኪ ሲንቄ" ማለት ናይ ፋይናንስ ትካል እንትኾን ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምኻን ንዓማዊል ቴሌብር ውሕድ ግልጋሎት ልቃሕ ንምቅራብ ዝተስማዕመዐ ናይ ፋይናንስ ትካል እዩ፡፡
- "ኢትዮ ቴሌኮም" ማለት ናይ ክፍሊት መፈፀሚ ፍቃድ ሰነድ ዘለዎ ትካል እንተኾን ምስ ባንኪ ሲንቄ ብምኻን ዝወሃብ ግልጋሎት ልቃሕ ወቢ ንምስላጥ ምስ ባንኪ ሲንቄ ዝተስማዕመዐ ትካል እዩ፡፡
- "ባንኪ ብሔራዊ ኢትዮጵያ " ማለት ብቁፅሪ ኣዋጅ. 718/2003 (1282/2015 ዝተመሓየሸ) መሰረት ንትካልት ፋይናንስ ፍቃድ ዝህብን ዝቆፃፀርን በዓል ስልጣን ትካል እዩ።
- "ቴሌብር" ማለት ዓማዊል ሞባይል ስልኮም ብምጥቃም ግልጋሎት ፋይናንስ ንምርካብ ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ናይ ሞባይል ገንዘብ ግልጋሎት ሽም ንግዲ እዩ፡፡
- "ኣካውንት ቴሌብር" ማለት ዓማዊል ቴሌብር ብኤሌክትሮኒክ መንገዲ ገንዘብ ዘቀምጥሉ፣ ዝልኣኣኽሉን ዝቅበልሉን ኣካዉንት እዩ
- “ግልጋሎት እንደራስን ንኡስ ልቃሕ” ማለት ባንኪ ሲንቄ ን ኢትዮ ቴሌኮምን ብሓባር ብምትሕብባርን ንዓማዊል ውልቀ ሰባት ብኤሌክትሮኒክ መንገዲ ውሕድ መጠን ገንዘብ ዘለዎ ልቃሕ ብቴሌብር ዝርከብ ዓይነት ግልጋሎት እዩ፡፡
- “ኣድራሽ ግልጋሎት ልቃሕ ደመወዝ” ማለት ደመወዞም ብቴሌብር ንዝኽፈሉ ናይ ውልቀን ናይ መንግስትን ትካላት ሰረሕተኛታት ምስ ትካሎም ብዝግበር ስምምዕነት መሰረትን ብሕገደንቢ እዚን መሰረት ብምግባር ብምትሕብባር ኢትዮ ቴሌኮምን ባንኪ ሲንቄ ን ዝቅረብ ዓይንት ግልጋሎት ልቃሕ እዩ፡፡
- “ውልቀሰብ ዓሚል” ማለት ናይ ተፈጠሮ ሰብ ኮይኑ ብሽሙ ቴሌብር ኣካውንት ዘለዎን ብቴሌብር ግልጋሎት ወቢ ልቃሕ ንምውሳድ ዝተስማዕመዐ ሰብ ማለት እዩ፡፡
- “ኤሌክትሮኒክ ገንዘብ /ኢ- መኒ” ምስ ናይ ኢትዮጵያ ብር ማዕረ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ዝውክል ዓሚል ዘመሓድሮን ኣብ ናይ ዓሚል ቴሌብር ኣካውንት ውሽጢ ዝርከብ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ገንዘብ ዋጋ እዩ።
- “ንስኻ ወይ ናትካ” ማለት ዓሚል ውልቀ ሰብ ማለት እንትኸውን ናይ ውልቀ ሰብ ሕጋዊ ውኪል እውን የጠቃልል፡፡
- “ንሕና” ናትና” ማለት ባንኪ ሲንቄ ን ኢትዮ ቴሌኮምን ማለት እዩ፡፡
- “ክፍሊት ግልጋሎት” ወቢ ግልጋሎት ልቃሕ ንመጀመርያ መዓልቲ ብውልቀ ሰብ ዓሚል ዝፍፀም ክፍሊት እዩ፡፡
- “መዓልታዊ ክፍሊት” ማለት ዓሚል ንዝወሰዶ ልቃሕ መጠን ውልቀ ሰብ ዓሚል ብዝተለቅሖ ዓይነት ልቃሕ በቢመዓልቱ ዝፍፅም ዓይነት ክፍሊት እዩ፡፡
- “ክፍሊት ቅፅዓት” ማለት ውልቀ ሰብ ዓሚል ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት ዝተለቀሖ ልቃሕ ኣብ እዋን መመለሲ እንተዘይመሊሱ ዝኽፈለ ዓይነት ክፍሊት እዩ፡፡
- "መኽፈሊ መዓልቲ" ማለት ውልቀ ሰብ ዓሚል ንዝወሰዶ ልቃሕ ዝምልሰሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ክፍሊት ማለት እዩ፡፡
- “ዝተበላሸወ ልቃሕ” ተለቃሒ ኣካል ዝተለቀሖ ልቃሕ ክሳብ መወዳእታ መክፈሊ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ልቃሕ ዝምለሰሉ መዐልቲ ጀሚሩ ከሳብ 90 መዓልቲ ዘሎ ዘይተኸፈለ ልቃሕ ማለት እዩ፡፡
- ብኣነስታይ ፆታ ዝተገለፀ ኩሉ ንተባዕታይ ፆታ ከውኡ’ውን ብተባዕታይ ፆታ ዝተገለፀ ኩሉ ንኣነስታይ ፆታ ይገልፅ፡፡
- “ውልቀሰብ” ዝብል ንኣነስታይን ንተባዕታይ ፆታ ንምግላፅ የገልግል፡፡
- ሕገ ደንቢ ምቅባል
- እዚ ግልጋሎት ልቃሕ እዚ ብባንኪ ባንኪ ሲንቄን ቴሌኮምን ብሓባር ብምኻን ዝቀረበ እንትኾን ነቲ ልቃሕ ዝኸውን ገንዘብ ብባንኪ ሲንቄ ዝቀረበ እዩ፡፡
- ግልጋሎት ልቃሕ ወቢ ንምምዝጋብ ውልቀሰብ ዓሚል ብ USSD (*127#) ወይድማ ብመተግበሪ ቴሌብር ምምዝጋብ ይከኣል፡
- ተጠቃሚ ግልጋሎት ወቢ ልቃሕ ንምዃን ዓማዊል ቅድሚ ምምዝጋቦም ኣብዚ ውዕሊ ዝተጠቀሱ ሕገደንቢ ኣጠቃቅማ ልቃሕ ብዝግባእ ኣንቢቦም ክርድኡን ክስማዕምዑን ይግባእ፡፡
- ምስ ኣብዚ ውዕሊ ዝተጠቀሱ ሕገ ደንብታት እንተዘይተስማዕሚዖም በይዘኦም ንምጅማር ዝብል መማረፂ ከይፀቅጡ
- “ንምጅማር” ዝብል መማረፂ እንተፀቂጦም ኣብዚ ውዕሊ ዝተጠቀሱ ሕገደንቢ ክም ዝተስማዕምዑን ግልጋሎት ልቃሕ ንምጥቃም ፍቃደኛ ከምዘኾኑን ይሕሰብ፡፡
- ግልጋሎት ልቃሕ ወቢ ብኤሌክትሮኒካዊ መንገዲ ጥራሕ ብቴሌብር ንምጥቃም ተስማዕሚዖም፡፡
- ሕገ ደንቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከከም ኣድላይነቱ ብኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይድማ ብባንኪ ሲንቄ ን ክመሓየሹ ወይድማ ክልወጡ ዝኽእል እንትኾን ነዚ ለውጢ/ምምሕያሽ ዝምልከት ሓበሬት ኣቀዲሙ ንክበፅሖም ይግበር፡፡ ዝተገበሩ ለውጥታትን ምሕያሻትን ብቴሌብር ፖርታል፣ ብቴሌብር መተግበሪ ወይድማ ብኢትዮ ቴሌኮም መርበብ ሓበሬታ ዕላዊ ካብ ዝተገበርሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ይኸውን፡፡
- ሕገ ደንቢ ብኤሌክትሮኒክስ መንገዲ ተቀባልነት ምስረኸባ ኣብ መንጎ ንሕናን ንሶምን ሕጋዊ መገደዲ ውዕሊ ኮይኑ ይቅፅል፡፡ ኣብዚ ውዕሊ ውሽጢ እዚ ዝርከቡ መሰልን ጉቡእን ንካሊእ ኣካል ምምሕልላፍ ኣይፍቀድን፡፡
- ዓሚል ገንዘቡ ንሕጋዊ ዓላማ ጥራሕ ንምውዓል ተስማዕሚዑ፡፡
- ግልጋሎት ልቃሕ ወቢ ንምጅማር
ግልጋሎት ልቃሕ ምስ ኢትዮ ቴሌኮምን ባንኪ ሲንቄን ንምጅማር ክማልኡ ዝግበኦም ረቋሒታት፡-
- ነዞም ዝወፁ ሕግታት ምንባብ፣ ምርዳእን ምስምዕማዕን ይግባእ
- ዕድሚኦም 18 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክኾኑ ይግባእ
- ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ሲም ካርድ ክህልዎም ይግባእ
- ናይ ቴሌብርን ኢትዮ ቴሌኮም ኣገልግሎታት ከም ዳታ/ድምፂ/ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ (SMS) ተጠቃሚ ክትኮኑ ይግባእ
- ዓሚልነት ምስ ቴሌብርን ቴሌኮም እንተወሓደ 3 ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ኣለዎ
- ግልጋሎት ልቃሕ ወቢ ንምርካብ ክማልኡ ዝግበኦም መሰረታዊ ረቋሒታት
- ውልቀሰብ ዓሚል ናይ ምልቃሕ ዓቅሚ፤ ዓሚል ናይ ልቃሕ ሕቶ ኣብ ዘቅርበሉ ዕለት ቅድም ኢሎም ኣብ ዘለዉ 6 ኣዋርሕ ናይ ዓሚል ናይ ቴሌብር ገንዘብ ዘለዎ ምንቅስቃስ፣ ቅድም ኢሉ ዝወሰዶ ልቃሕ ናይ ምምላስ ከይድን ኣጠቃቅማ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ብዝገብሮም ምንቅስቃሳት ይውሰን፡፡ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ቴሌብር ምንቅስቃስ ናይ ዓሚል ዓቅሚ ልቃሕ ንምውሳን ይውዕሉ፡፡
- ናይ ኣየር ሰዓት ምምላእ ወይ ጥሙር ምግዛእ (ብዓርሰ ሓገዝ ወይ ካብ ወኪላት)፣
- ኣቅሓ ወይ ኣገልግሎት ካብ ቴሌብር ዕድጊት ምፍፃም
- ክፍሊት ቢል ብቴሌብር ምፍፃም (ብዓርሰ ሓገዝ ወይ ካብ ወኪላት)፣
- ንባዕሎም ወይድማ ናይ ካሊእ ዓሚል ክፍሊት ግልጋሎታት ብቴሌብር ምፍፃም (ብዓርሰ ሓገዝ ወይ ካብ ወኪላት)፣
- ናይ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ክፍሊታት፣ ደመወዝ፣ ጡረታ ወዘተ ብቴሌብር ምቕባል
- ካብ ወፃኢ ሃገር ገንዘብ ምቕባል
- ናይ ቲኬት ብቴሌብር ምግዛእ
- ናይ ድጋፍ ገንዘብ ክፍሊት በቴሌብር ምፍፃም ክፍያ(ፈንድ ረይዚንግ) ፣
- ብወኪላት ቴሌብር ገንዘብ ምቕባልን ምውጻእን
- ናይ ቁጠባ ኣገልግሎት
- ገንዘብ ምልኣኸ፣
- ናይ ቴሌኮም ግልጋሎታት (ድምፂ፣ ዳታ ወይ መልእኽቲ) ፣
- ብቴሌብር ዝተወሰደ ልቃሕ ብግቡእ ናይ ምኽፋል ቅድመ ታሪኽ
- ንልቃሕ ብቑዕ ንምዃን ዓሚል ካብ ቴሌኮም ግልጋሎታት ብተወሳኺ ናይ ቴሌብር ኣገልግሎት ክጥቀሙ ኣለዎም::
- ናይ ወቢ ደመወዝ ልቃሕ ንምርካብ፣ ወርሓዊ ደመወዝ ብቴሌብር ምቕባልን ምስ ዝሰርሑሉ ትካል ዝግበር ስምምዕ እኹል እዩ።
- መጠን ልቃሕን ክፍሊትን
- ብመሰረት ናይ ዕድጊቶም መጠን ካብ ዝተፈቀድሎም ዝተሓተን ዝለዓለን መጠን ልቃሕ ሓዊሲ ኣብ መንጎ ዝተሓተን ዝለዓለን ዝርከብ ዝኾነ ይኹን መጠን ክልቅሑ ይኽእሉ እዮም፡፡
- ብመሰረት ደንቢ ቁፅሪ 576/2018 ናይ ቤት ምኸሪ ሚኒስትራት፣ ካብ ዝልቅሕዎ ጠቕላላ ልቃሕ መጠን 1% ንናይ ኢትዮጵያ ሓደጋ ስግኣት ምላሽ ፈንድ ይቁረፅ፣ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ናብ ቴሌብር ኣካውንቶም ኣታዊ ይኸውን።
- ካልእ ልቃሕ ንምርካብ ፈለማ ካብ ቴሌብር ቅድም ኢሎም ዝወሰድዎ ልቃሕ ክምልሱ ይግባእ።
- ዘለዎም ልቃሕ ብኸፋል ወይ ብሙሉእ ብሓደ ጊዜ ምኽፋል ይኽእሉ እዮም፡፡
- ከም ናይ ልቃሕ ዓይነት፣ ካብ ዝወሰድዎ ዕለት ጀሚሩ ዝምለስ ናይ ልቃሕ መመልሲ ግዜ 5 መዓልቲ፣ 10 መዓልቲ፣ 30 መዓልትን 45 መዓልቲትን እዩ።
- ናይ ወቢ 5 መዓልቲ፣ 10 መዓልቲ፣ 30 መዓልትን 45 መዓልቲትን ዝለዓለ መጠን ልቃሕ 5,000 ብር፣ 6,000 ብር፣ 15,000 ብርን 30,000 ብር ብቅደም ተኸተል እንትኸውን፤ እቲ ዝተሓተ መጠን ልቃሕ ድማ 100 ብር፣ 100 ብር፣ 200 ብርን 2,500 ብር ብቅደም ተኸተል እዩ።
- ዘለዎም ናይ 5 መዓልቲ ልቃሕ ኣብ እዋኑ እንተከፊሎም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይቲ ዋና ዕዳ ዘተረፎም 5% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝኸፍሉ እንትኾኑ ናይቲ ዝተረፈ ዋና ዕዳኦም ከፊሎም ክሳብ ዝውድኡ በብመዓልቱ ካብ 0.35 % ክሳብ 1.2% ክፍሊት ይፍፀሙ፡፡
- ዘለዎም 10 መዓልቲ ልቃሕ ኣብ እዋኑ እንተከፊሎም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይቲ ዋና ዕዳ 2% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝኸፍሉ እንትኾኑ ናይቲ ዝተረፈ ዋና ዕዳኦም ከፊሎም ክሳብ ዝውድኡ በብመዓልቱ ካብ 35 % ክሳብ 0.9% ክፍሊት ይፍፀሙ፡፡
- ዘለዎም 30 መዓልቲ ልቃሕ ኣብ እዋኑ እንተከፊሎም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይቲ ዋና ዕዳ 4% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝኸፍሉ እንትኾኑ ናይቲ ዝተረፈ ዋና ዕዳኦም ከፊሎም ክሳብ ዝውድኡ በብመዓልቱ ካብ 35 % ክሳብ 1% ክፍሊት ይፍፀሙ፡፡
- ዘለዎም 40 መዓልቲ ልቃሕ ኣብ እዋኑ እንተከፊሎም ናይ መጀመርያ መዓልቲ ናይቲ ዋና ዕዳ 5% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ዝኸፍሉ እንትኾኑ ናይቲ ዝተረፈ ዋና ዕዳኦም ከፊሎም ክሳብ ዝውድኡ በብመዓልቱ ካብ 0.5 % ክሳብ 0.67% ክፍሊት ይፍፀሙ፡፡
- ኣከፋፍላ ልቃሕ ወቢ ካብ ዝተለቅሕሉ ዕለት ጀሚሩ በቢወርሑ ይኽፈል፡፡
- ናይ 5 ወርሒ ደመወዝ ወቢ ልቃሕ ኣብ 14 ወርሒ ዝምለስ 5% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይኸፍሉ፡፡
- ናይ 3 ወርሒ ደመወዝ ወቢ ልቃሕ ኣብ 9 ወርሒ ዝምለስ 14% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይኸፍሉ፡፡
- ናይ 1 ወርሒ ደመወዝ ወቢ ልቃሕ ኣብ 3 ወርሒ ዝምለስ 12% ናይ ኣገልግሎት ክፍሊት ይኸፍሉ፡፡
- ዘለዎም ልቃሕ ኣብ እዋኑ እንተዘይመሊሶም በቢመዓልቱ ተግባራዊ ዝግበር 11% ቅፅዓት ይኸፍሉ፡፡
- ካብ ቦንስ ዝርከብ ገንዘብ ንክፍሊት ልቃሕ ኣየገልግልን፡፡
- ዘተመለሰ ዕዳ ክፍሊት ምእካብ
- ዝተለቅሕዎ ልቃሕ ኣብ ሰዓቱ እንተድኣዘይመሊሶም ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄ ባንክ ብሓባር ብምዃን ዝተረፈ መጠን ልቃሕ ካብ ቴሌብር ሒሳቦም ወይ ካብ ቁጠባ ኣካውንቶም ብቀጥታ ተቀናሲ ብምግባር ዕዳኦም ክኸፍሉ ይግበር።
- ዝተለቅሕዎ ልቃሕ ኣብ ሰዓቱ እንተድኣዘይመሊሶም ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄ ባንክ ብሓባር ብምዃን ኣድላዪ እነተኾይኑ ድማ ምስ ካልኦት ባንክታት ብሓባር ብምዃን ዘለዎም ኣማራፂ መንገድታት ብምጥቃም ካብ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ዘይተመለሰ ልቃሕ ክእክቡ ይኽእሉ።
- ካብ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ዘይተመለሰ ዕዳ ንምእካብ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄ ብሓባር ብምዃን ኣድራሻ ዓሚል ብምጥቃም ብዝኾነ ኣማራፂ መንገዲ ብምጥቃም ዘይተመለሰ ዕዳ ናይ ምምላስ መሰል ከምዘለዎም ዓሚል ይስማዕማዕ፡፡
- ዕዳ ክኸፈል ኣብ ዘለዎ ግዜ እንተዘይተኸፊሉ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄ ብሓባር ብምዃን ኣድራሻ ዓሚል ኮነ ካልኦት ናይ ዓሚል ሓበሬታታት ዘየተመለሰ ዕዳ ንምምላስ ክበሃል ናይ ዓሚል ውልቃዊ ሓበሬታ ንሳልሳይ ወገን (ንውልቀ ይኹን ንትካል) ኣሕሊፎም ክህቡ ይኽእሉ እዮም፣ ዓሚል ድማ ነዚ ተስማሚዑ እዩ።
- ካብ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ብኣማረፅቲ መንገዲ ዕዳ እንተዘይተኸፊሉ፡ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄን ብሓባር ብምዃን ነቲ ዋኒን ናብ መደበኛ ቤት ፍርዲ ክወስዱን ክኸሱን ሙሉእ መሰል ኣለዎም፣ ብርእሶም ወይ ብሕጋዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ወይ ውልቀ ጠበቃ።
- ተፈፃምነት ዘለዎም ሕግታት
ሕግታት ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ፣ መመርሒታት ብሔራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ከውኡ’ውን ኣግባብነት ዘለዎም ናይ ባንኪ ሲንቄ ን/ወይ ኢትዮ ቴሌኮም ኣሰራርሓታት፣ ኣብዚ ሕገ ደንቢ እውን ተፈፀምቲ ይኾኑ።
- መረዳእታ ምሕታት ዝምልከት
ኣገልግሎት ቴሌብር ወቢ ልቃሕ ግልጋሎት፣ ከይዲ፣ ደንብን ኩነታትን ዝምልከት ንዝኾነ ዓይነት ሕቶ እንተሃልዩ፡ ብቴሌብር ማእኸል ዓማዊል ግልጋሎት (127 ብምድዋል)፣ ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ (SMS) ናብ 126 ብምልኣኽ፣ ወይ ድማ ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ (https://telehub.ethiotelecom.et/) ብምርኣይ ተወሳኺ መረዳእታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
- ምቁራፅ ውዕሊ
ዝኾነ ናይ ንኡስ ቁጠባን ልቃሕን ኣገልግሎታት ብዘይ ቅድመ ምድላው ወይ ምልክታ ብኣጠቓቕማ ወይ ምትላል ምኽንያት ሙሉእ ወይ ብኽፍል ምእጋድ ወይ ምቋረፅ መሰል ናይ ኢትዮ ቴሌኮም ን/ወይ ባንኪ ሲንቄ ባንክ እዩ። ምቋረፅ እዚ ውዕል ሙሉእ ወይ ብኽፍል መሰልን ግቡእን ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣይንክእን እዩ።
- ኣፈታትሓ ጥርዓን
ጥርዓን ብኣካል፣ ብፅሑፍ፣ ብፖስታ፣ ብፋክስ፣ ብኢመይል ወይ ብስልኪ ክቐርቡ ይኽእሉ። ኢትዮ ቴሌኮም ንዝመፁ ጥርዓናት ብውሱን ግዜ ንምፍታሕ ኩሉ ዝከኣል ስጉምትታት ይወስድ። ብዝተዋህበ መልሲ እንተዘይረኺዖም፡ ጉዳዮም ብቅደም ተኸተል ናብ ባንኪ ሲንቄ ን ባንኪ ብሔራዊ ኢትዮጵያን ክወስዱ ይኽእሉ። ጥርዓን ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ዝቐረበሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 ተኸታተልቲ መዓልቲታት እንተዘይተስማዕሚዖም፡ ተፋለምቲ ወገናት ጉዳዮም ናብ ስልጣን ዘለዎ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ጥራሕ ክቕርቡ ተስማሚዖም እዮም።
- መሰል ምሓዝ
ዝተለቅሕዎ ዕዳ እንተዘይመሊሶም፡ ብጥረ ገንዘብ፣ ብንብረት፣ ዋስትናታት፣ ክቡራት ማዓድናት፣ ቼካት፣ ከምኡ’ውን ዝንቀሳቀስ ወይ ዘይንቀሳቀስ ንብረትኩም ኩሉ ምሓዝ መሰል ኣለና። ዕዳኹም እንተዘይከፈልኩምን መሰል ምሓዝን ንዘይተኸፈለ ልቃሕ ከም ዋሕስ ክቑፀሩ ይኽእሉ።
- ምምችቻው ዕዳ
ዝወሰድኩምዎ ልቃሕ ክትከፍሉ ምስ ተነገረኩም፡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ውሽጢ እንተዘይመሊስኩም፡ ኣብ ባንኪ ካብ ዘለኩም ዘለኩም ተቀማጢ ገንዘብ (ጥረ ገንዘብ፣ ቁጠባ፣ ተርም ዲፖዚት፣ ናይ ሓባር ወይ ናይ ውልቀ) መጠን ዕዳኹም ብዘይ ቅድመ ኩነት ክንወስድ ከምእንኽእል ተስማሚዖም እዮም።
- ጥንቃቀ (ደሕንነት)
ናይ ቴሌብር ሚስጥር ቁፅሪ (PIN) ብሚስጥር ክትሕዝዎ ኣለኩም፤ ካባኹም ወፃኢ ካሊእ ሰብ ክሕዞ የብሉን። ሚስጥር ቁጽርኩም ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ ወይ በቢእዋኑ ብዘይምቕያር፣ ዘይተፈቐደ ኣጠቓቕማ ቴሌብር ብምፍፃም፣ ሞባይል ስልኪኹም ወይ ሲም ካርድኩም እንተተሰሪቁ ወይ እንተጠፊኡ ንዝምልከቶ ኣካል ብቕልጡፍ ብምፍላጠ ንክዕፆ ብዘይምግባርኩም፡ ንዝመፅእ ዝኾነ ኪሳራ ወይ ጉድኣት ሙሉእ ብሙሉእ ናትኩም ሓላፍነት ይኸውን።